Help
መልሲ ንሕቶታትኩም
ስልምንታይ ኣብ ካናዳ ጥራይ ተሓጺርኩም?
ንግዚኡ ኣገልግሎትና ኣብ ካናዳ ጥራይ እዩ ዘሎ ፡ ናይ ክፍሊት ወይ ባንክ ኣገልግሎትውሱን ስለ ዝኾነ፡
ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናብ ካልእ ሃገራት ኣገልግሎትና ክንዝርግሕ ኢና፡ ኣብ ሶሺያል መዲያ ተከታተሉና፡
አንታይ ኮርሳት ትምህሩ?
ዝተፈላለዩ መሰረታዊን ኮርሳት ንትህምርቲ ንስራሕ፡ ብሓፈሻ ነብሳኻ/ኺ ንምኽኣል ዝሕግዙ ስልጠናታት፡
ንዝያዳ ሓሬታ ኣብዚ ሊንክ ጠዉቑ፡ IT Training
ናይ ኮርስ ካርድ ኣከፋፍላ ውሑስ ድዩ?
ኩሉ ናይ ክረዲት ካርድ ክፍሊት ብ Stripe Payment Platform እዩ ዝሳለጥ፡ ውሑስን ጽፉፍን እዩ፡
ናይ ኮምፒዩተር ኦንላይን ሓገዝ ብከመይ ይሰርሕ?
ዝኮነ ጸገማት ኣብ ኮምፒዩተር ምስ ዘጋጥመኩም፡
- ዘድልየኩም ሓገዝ ብዋትሳፕ ትጽሕፉልና፡ ኣገዳሲ ተኮይኑ ስክሪን ሾት ወይ ቪድዮ ሓዙ ስደዱልና፡
- ነጻ ተለና ብቀጥታ ናብ Google Meeting ንኣቱ፡ ስራሕ እንተ ሒዝና ንክልቴና ዝጥዕም ግዜ ቆጸራ ንገብር፡
- ድሕሪ ናይ Google Meeting፡ ጸገም እንተተፈቲሑን ንስኹም ዕጉባት እንተኮንኩም Invoice ንሰደልኩም፡ ተዘይኮነ ነጻ ክፍሊት፡
- ክፍሊት ወይ Stripe Payment ብመገዲ Invoice ንሰደልኩም፡ ካልኣይ ኣማራጺ ዝቀለለ e-transfer to payments@moyana.tech፡
ናይ ኦንላይን ሓገዝ ክፍሊት ክንደይ እዩ?
ናይ ዝኮነ ኦንላይን ሓገዝ ካብቲ ዝነኣሰ ክሳዕ እቲ ዝዓበየ፡ 15$ - 50$ CAD
ጽፉፍን ስሉጥን ኣገልግሎት ክረክብ እንታይ ክገብር ኣለኒ?
ኣብ ዝሓጸረ እዋን ጸገምኩም ክፍታሕ፡ ብዝተካእለ መጠን ኣብ እዋን Google Meeting ክማላእ ዘለውዎ ነጥብታት፡
- ኮምፒዩተር ምሳኩም ክትህሉ ኣለዋ፡ ብ ሞባይል Google Meeting ናይ ኮምፒዩተር ክፍታሕ ምቹእ ኣይኮነን፡
- ጽቡቅ ኢንተርነት ኮኔክሽን ከም ዘሎ ምርግጋጽ፡ ን ቪድዮ ኮልን ፡ ኦንላይን ሓገዝን፡
- ኢርፎን ምጥቃም፡ ንጹር ሓበሬታ ምልውዋጥ ይሕግዝ፡

