መስራቲ ትዕዝብቲ
Moyana IT ክሕሰብ ከሎ ፡ ካብ ሓደ ትዕዝብቲ ኣብ ውሽጢ ሓበሻ ኮሚኒቲ፡ ቀሊል ዝመስል ግን ከኣ ከቢድ ጽልዋ ኣብ ሂወትና ዘልዎ ዋሕዲ ምልከትን ነብሰ ምትእምማን ኣብ ኣጠቃቅማ ኮምፒዩተርን ኢንተርነትን እዩ።
ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ኩሉ ሰብ ኣብ ገገዝኡ ላፕቶፕን ፕሪንተርን ክህልዎ ግዴታ እዩ ዋጋ ዉን ሕሱር እዩ፡ ከም ኣብ ኣፍሪቃ ዝኮነ ሓገዝ ኣብ ስቴሽነሪ ወይ ኢንተርነት ኬድካ ዝሳለት ኣገልግሎት የለን። ኣብ ርእሲኡ ሰኣን ምልከት ኮምፒዩተርን ኢንተርነትን ብዙሕ ሰብ ካብ ትህምርትን ናይ ስራሕ ዕድላትን ይቦክር።
ነዚ ፍታሕ ክንገብር Moyana IT ክምስረት ተደልዩ፡ ንትምህርቲ ንስራሕ ንዝኮነ ሓበሬታ መጽናዕቲ ኣብ ትገብርሉ እዋን፡ ኣብ ጎንኩም ኣለና። ነብሰ ምትሓት ከይተሰምዖ ዝሓትትን ዝመሃርን እዩ ዝዓብን ዝከብርን።


