Skip to main content

About Us

ኣብ ዝኮነ ግዜ ምስ ቴክኖሎጂ ዝተሓሓዝ ሕቶ፡ ምኽሪ ወይ ፍታሕ ምስ ዘድልየኩም፡

ኣብ ጎንኩም ከም ዘሎና ኣይትረስዑ !

መስራቲ ትዕዝብቲ

Moyana IT ክሕሰብ ከሎ ፡ ካብ ሓደ ትዕዝብቲ ኣብ ውሽጢ ሓበሻ ኮሚኒቲ፡ ቀሊል ዝመስል ግን ከኣ ከቢድ ጽልዋ ኣብ ሂወትና ዘልዎ ዋሕዲ ምልከትን ነብሰ ምትእምማን ኣብ ኣጠቃቅማ ኮምፒዩተርን ኢንተርነትን እዩ። 


ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ኩሉ ሰብ ኣብ ገገዝኡ ላፕቶፕን ፕሪንተርን ክህልዎ ግዴታ እዩ ዋጋ ዉን ሕሱር እዩ፡ ከም ኣብ ኣፍሪቃ ዝኮነ ሓገዝ ኣብ ስቴሽነሪ ወይ ኢንተርነት ኬድካ ዝሳለጥ ኣገልግሎት የለን። ኣብ ርእሲኡ ሰኣን ምልከት ኮምፒዩተርን ኢንተርነትን ብዙሕ ሰብ ካብ ትህምርትን ናይ ስራሕ ዕድላትን ይቦክር።


ነዚ ፍታሕ ክንገብር Moyana IT ክምስረት ተደልዩ፡ ንትምህርቲ ንስራሕ ንዝኮነ ሓበሬታ መጽናዕቲ ኣብ ትገብርሉ እዋን፡ ኣብ ጎንኩም ኣለና። ነብሰ ምትሓት ከይተሰምዖ ዝሓትትን ዝመሃርን እዩ ዝዓብን ዝከብርን።

ዕላማና

ሓበሻ ኮሚኒቲ ብቀሊሉ ናይ IT ኣገልግልት ዝረኽበሉ፡ 
ዝሓሸ ሞያ ተማሂሩ፡ ኣብ ካናዳ ዝዕወተሉ ባይታ ምፍጣር እዩ !

ንተወሳኺ ሓበሬታ

ኣብ ቻት ወይ ዋትሳፕ ጸሓፉልና !

Chat With Us